ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝፀንሐ መድረኽ ስልጠና ኣመራርሓታት እቲ መድረኽ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ዓሊሙ ንዝሓሸ ኣሰራርሓ ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ ምርድዳእ ዝተፈጠረሉ ኢዩ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ።
“ብመርኣዪ ናይ ምድማር መንግስቲ፣ ምዕባለ ዓውዲታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንተኸታተልቲ መዓልታት ክሳለጥ ዝቐነየ መበል ሳልሳይ ዙር ናይ ወረዳ ኣመራርሓታት ስልጠና ተዛዚሙ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ሰነዳት ስልጠናን ዑደታትን ‘ቶም ኣመራርሓታት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝሃነፅሉን ባዕሎም ንባዕሎም ልምዲ ዝተለዋወጥሉን ከምዝኾነ ተዛሪበን።
እቶም ሰልጠንቲ ኣብ ፃንሒቶም ዝረኸብዎ ገንዛበ ናብ ጭቡጥ ብምእታው ብድሆታት ናብ ዕድል ምቕያር ትፅቢት ከምዝግበር ኣገንዚቦም።
ዝሓዝናዮ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ዕለዊ ንክኸውን ብዝተመሓየሸ ባህሊ ስራሕ ንህዝብና እንህቦ ኣገልግሎት ፍትሓዊነት ምርግጋፅን ምምዕባልን ይግባእ ኢለን።
ነበርቲ ከተማና ዘሎ ማዕባሊ ድልየት ልምዓትን ናይ ዘበናት ሕቶ ሰናይ ምምሕዳር ነበርቲ ከተማናን ንምፍታሕ ንባዕልኻ ምድላው ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂበን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!