ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መንግስቲ መደመር ከተማታት ከም ዓብዪ ማሕበራዊ መሰረት ይቑፀራ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) “ልምዓት ከተማ፣ ከተማነት፣ ክትመትን ልምዓት ኮሪደር ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ቃና ቲቪ ፃንሒት ገይሮም፡፡
ኣብ ፃንሒቶም፤ ነበር መንግስታት ከተማ ከም ስግኣት፣ ነበርቲ ድማ ከም ስግኣት ክጥምትዎም ከምዝደልዩ ኣዘኻኺሮም።
ኣብቲ እዋን ነበርቲ ከተማታት ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰረት ካብ ምግባር ናይ ምግላል ልምዲ ምርኣይ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ኣመልኪቶም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማታት ብዙሓት ሃፍቲ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ንኣብነት ኣዲስ ኣበባ ፍርቂ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ፍርያት ኢትዮጵያ ዝኸውን (GDP) ከምትሽፍን ኣብሪሆም።
ከተማ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፁ ዝተፈላለየ ባህሊ፣ ቋንቋን እምነትን ዘለዎም ዜጋታት ብስኒት ዝነብሩላ ብምኳና ሓበራዊነት ላቦራቶሪ እያ ክብሉ ኣረዲኦም፡፡
ስልጣነ ንሓንቲ ሃገርን ዕብየትን ዝልካዕ ብከተማታት እዩ፤ ስለዝኾነ ስልጣነ መስትያት እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ