ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ 700 ሚሊየን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ንምትካል ኣብ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ትልሚ ንምስታፍ ድልውቲ እያ ኢለን ከንቲባ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ።
ኣብቲ መዓልቲ ፈልሲ ብምትካል ሓድነትና፣ ቆራፅነትናን ፅንዓትናን ከነርኢ ኢና ኢለን።
ነበርቲ እታ ከተማ ፆታ፣ ዕድመ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ደረጃ መነባብሮ ከይፈለዮም ፅባሕ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት፣ብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ክንልዓል ኢና ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ቃልሲ ፅባሕ ክድገም እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዳግማይ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ብምትካል ሓድነትና፣ ቆራፅነትናን ፅንዓትናን ዘርኢ እዩ ምባለን ቢሮ ኮሙኒኬሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!