ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣርበባዕተ በዓል 4 ደብሪ መፍረዪን መሸጢን ህንፃታት ብሴፍቲኔት ተሓቑፎም ንዝነበሩ ነበርቲ ኣረኪበን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣብታ ከተማ እናተተግበሩ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ዜሮ ሸቶ ፕሮጀክታት ሓደ ተሓጋዛይነትን ልመናን ዜሮ ምግባር ኢዩ።
በዚ ድማ ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ከተማ፣ ኣቃቂ ቃሊቲ፣ የካን ቂርቆስን ኣርባዕተ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ህንፃታት መፍረዪን መሸጢን ብሴፍቲኔት ተሓቑፎም ንዝነበሩ ነበርቲ ኣረኪብና ኢለን።
ተረባሕቲ እቲ ፕሮግራም 976 ኣንቀሳቐስቲ እንትኾኑ÷ ኣብ 292 ኢንተርፕራይዛት ዝተወደቡን ቅድሚ ሕዚ ብውሕስና ምግቢ (ሴፍቲኔት) ፕሮግራም ተሓቒፎም እናሰርሑ ዝነበሩ ኢዮም፡፡
ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምፍራይን መሸጢን ቀረብ ቦታ፣ ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ዝነብሩ ዜጋታት ህይወቶም ብምልዋጥን ካብ ድኽነት ብምውፃእን ናብራኦም ብዘላቕነት ንምምራሕ ክኽእሉ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!