ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበበ ኣብ ዓለም ለኻዊ “Act For Early Years” ዝተብሃለ ኢኒሼቲቭ “ሻምፒዮን ዕቤት ቀዳማይ ቁልዕነት” ዝብል ኣፍልጦ ተዋሂብወን።
እቲ ኣፍልጦ ንመሪሕነት ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ከምኡ እውን እቲ ምምሕዳር ከተማ ንምዕባለ ህፃናት ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ብፍላይ ኣብ “ተስፋ መፃኢት ኣዲስ ኣበባ ተበግሶ ምዕባለ ቀዳማይ ቁልዕነት” ዝተውሃበ እዩ።
ቀዳማይ ቁልዕነት ኣብ ፖሊሲታት መንግስታትን ኣብ ኣጀንዳ ዓለም ለኻዊ ወፍርን ማእከላይ ቦታ ንኽሕዝ ብዕቱብ ዝሰርሕ ኢኒሼቲቭ እዩ።
እቲ ኣፍልጦ ብነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ፍሉይ ልኡኽ ዓለም ለኸ ትምህርቲ ሕቡራት መንግስታትን ጎርደን ብራውን ኣቢሉ ንመሓዙት ኣካላት እቲ ኢኒሼቲቭ ብምውካል ምስ ዩኒሴፍን ዩኒስኮን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ማዙት ትካላት ብምትሕብባር ከም ዝተውሃበ ተገሊፁ።
ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ምዕባለ ቀዳማይ ቁልዕነት መሪሕነት ከተማ ኣብነት ንኽትከውን ዝግበር ፃዕሪ ብዝለዓለ ደረጃ ዘጠናኽር ኣፍልጦ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።