ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ንመምህራን ዝኸውን ህንፃ ኣባይቲ ህንፀት ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ብዘላቒ መንገዲ ንምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተዛሪበን፡፡
ኣብ 57 ማሕበራት ዝተወደቡ 6 ሺሕን 194 መምህራን 25 ሚኢታዊ ብምዕቋር 3 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ዝዓቖሩ እንትኾን፤ መንግስቲ ድማ ነቶም ዝተረፉ 75 ሚኢታዊ ቅድመ ኩነት ልቓሕ ምድላው ኣረዲኤን፡፡
24 ቢሊየን ብር ዝግመት 40 ሄክታር መሬት ንህንፀት ኣባይቲ ንምምሕዳር እቲ ከተማ ንመምህራን ብነፃ ከምዝሃበን 5 ቢሊየን ብር ካሕሳ ከምዝተኸፈለን ገሊፀን።
ንመምህራን ዝህነፁ ዘለዉ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ልዑል ደረጃ ዘለዎምን ምስ ፅባቐ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰማምዑን ምዃኖም ኣረዲኤን፡፡
ካብቶም መምህራን ዝለዓሉ መሰረታዊ ሕቶታት እቲ ሓደ ምዃኑን ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ምምሕዳር እታ ከተማ ምላሽ ንምሃብ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎን ገሊፀን።
ብግዛቸው ግርማዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!