ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ “ብምትካል ምብራኽ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ወጋሕታ ምስ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ከተማን ሚዲያን ተኸላ ፈልሲ ኣካይደን።
እተን ከንቲባ ምስቶም ሰብ ሞያ ብምዃን ኣብ ወሰን ሩባ ቀበና ኢየን መርሃ ግበሪ ተኻላ ፈልሲ ዘሳለጣ።
ሰብ ሞያ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ኣብ ኢትዮጵያውያን ፅቡቕ ሓሳብ ዘስርፁ ከምዝኾኑ ዝሓራ ከንቲባ ኣዳነች÷ ሕዚ እውን ስረሐን ንኸጠናኽሩ ከምዘተሓሳሰባ ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!