ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ መንበሪ ገዛ ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባa ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑ ወገናት፣ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ፣ ንጉዱኣት ኣካልን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ዝኾኑ ነበርቲ መንበሪ ገዛ ኣረኪበን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝሃነፅናዮ ዘበናዊ ጂ+4 መንበሪ ህንፃ፣ ንማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑ ወገናት፣ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ፣ ንጉዱኣት ኣካልን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ንዝኾኑ ነበርቲ ብኽብሪ ኣረኪብና ኢለን።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዝተልዓሉ ኣብ ናይ ቀበሌ ገዛ ብደባልነት፣ ብፅግዕተኝነትን ኣብ ላስቲክ ገዛን ናይ መናፅሂ ገዛ ፈሳሲ ኣብ ልዕሊኦም እናፈሰሰ ኣብ ኣፀጋሚ ዝኾነ ኩነታት ንዝነበሩ ወገናት ገዛ ኣረኪብና ክብላ እውን ገሊፀን።

ወለንታውያን ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ዝተሃነፀ እቲ መንበሪያ ገዛ÷ 5 ነባር ኣባይቲ ብምልዓል 70 መራሕቲ ስድራ ገዛ ንኽረኽቡ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment