ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 26 ሺሕ መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፅ ነዛ ሃገር ፈላማይ ዝኾነ ስራሕ ቴክኖሎጂ ህንፀት ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ 26 ሺሕ መንበሪ ኣባይቲ ንምህናፅ ነዛ ሃገር ፈላማይ ዝኾነ ስራሕ ቴክኖሎጂ ህንፀት ኣጀሚረን።

ኣብዚ ዓመት ካብ ዝሓዝናዮም ቀንዲ ትልሚታት ፈላማይ ንነበርቲ ከተማና ተበፃሕነት ቀረብ ኣባይቲ ምክያድ ኢዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 100 ሺሕ ኣባይቲ ንምህናፅ ተሊምና ብዙሓት ተግባራት ነካይድ ኣለና ኢለን።

ትልምና ብፅርየትን ሰሌጤንን ዕላዊ ንምግባር ንሃገርና ፈላማይ ዝኾነ Cold-Formed Steel (CFS) ቴክኖሎጂ ህንፀት ምጥቃም ሓደ ኣማራፂ በምግባር ሎሚ ስራሕ ኣጀሚርና ኣለና ክብላ ገሊፀን።

እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ካሊእ ዓለም ዝተለመደን እቶም ኣባይቲ ይኹኑ ህንፃታት ኣብ ውሽጢ ፋብሪካ ዝገጣጠሙ ሓፂናት ብምጥቃም ምድሪ ቤት፣ መንደቕን ሞሮን ኩሎም ብቕልጣፈን ፅርየትን ምፍራይ ዘኽእል ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ናይቲ ቴክኖሎጂ ፋብሪካ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ከምዝተተኸለ ተዛሪበን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment