ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 381 መንበሪ ኣባይቲ ንዓቕመ ደካማታት ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር 381 መንበሪ ኣባይቲ ንሰብ ውዕለታ ሃገርን ዓቕመ ደካማታትን ኣመሓላሊፈን።

እተን ከንቲባ ኣብ ክፍለ ከተማታት ንፋስ ስልክ ላፍቶን ቂርቆስን ኣብ ዝተሃነፀ በዓል 5 ደብሪ ህንፃ ዝርከቡ ኣባይቲ ኢየን ኣመሓላሊፈን፡፡

ህያብ ገዛ ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ሰብ ውዕለታ ሃገር ደራሲ ሃብታሙ ኣለባቸውን ወዲ ኣብዲሳ ኣጋ ኤልያስ ኣብዲሳን ይርከቡዎም፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣዲስ ኣበባ ንናብራ ምችውቲ ካብ ምግባር ሓሊፉ ብኹለመዳይ መልክዑ ነበርታ ተጠቀምቲ ንምግባር ኩለመዳይ ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ፡፡

በዚ ድማ ነበርቲ እታ ከተማ ወነንቲ መንበሪ ገዛ ናይ ምግባር ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።

ብግዛቸው ግርማዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment