ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀቶም ዝተዛዘሙ 32 ሓደሽቲ ትካላት ፖሊስን መከላኸሊ ባርዕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን መሪቐን ኣጀሚረን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ከምዝበለኦ÷ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝተበሰረሉ ዕለት ኢዩ።
ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት እታ ከተማ ዝተዛዘሙ 32 ሓደሽቲ ትካላት ፖሊስ ከምኡ እውን መከላኸሊ ባርዕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ተመሪቖም ብዕሊ ስራሕ ጀሚሮም ኢለን፡፡
በዚ ድማ መምርሒታት ፖሊስ፣ ጣቢያታት፣ ካምፕታት፣ ትካላት መከላኸሊ ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋን ንኣገልግሎት ድሉዋት ኮይኖም ክብላ ሓቢረን።
እዞም ትካላት በቢከባቢኡ ምህናፆም ገበን ንምክልኻልን ሃንደበታዊ ሓደጋታት ኣብ ዘጋጥሙሉ እዋን ዝወሃብ ናይ ምላሽ ግዘ ኣዚዮም ከምዘሕፅሩን ኣመልኪተን፡፡
እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝበፅሕ ጉድኣት ንምንካይ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣፅንኦት ሂበን፡፡
እቶም ትካላት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝበፅሐቶ ቅልጡፍ ደረጃ ዕቤት ክመጣጠኑ ተገይሮም ካብ ምስረሖም ንላዕሊ ቴክኖሎጂ ዝጥቀሙ መካተቲ መሰረተ ልምዓታት ኢዮም፡፡
ከንቲባ ኣዳነች መሰል ረብሀኦም ዕዙዝ ዝኾኑ ፕሮጀክታት ኣብ ዝተሓሰበሎም ግዘን ደረጃ ፅሬትን ጋህዲ ንኽኾኑ ንዘኽአሉ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!