ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከይዲ ምብራኽና ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ዝተርፍን ንዓለም ዝንገርን ምስክርነት ኢዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 2ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ንምስታፍ ንዝመፅኡ ኣጋይሽ መልእኽ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣመሓላሊፎም፡፡
ልዕሊ 25 ሺሕ ኣጋይሽ ዝሳተፉሉ ጉባኤ “ዓለም ለኸ መፍትሒታት ንብረት ኣየር ምቅልጣፍ፣ ንሓምለዋይ ልምዓት ኣፍሪካ ብፋይናንስ ምድጋፍ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መልእኸተን፥ ኢትዮጵያ ብመሰረት መሪሕ ሓሳብ እቲ ጉባኤ ንምዝባዕ ንብረት ኣየር መፍሒ ክኾኑ ኢዮም ዝበለቶም ተግባራት ፀንቂቓ እናሰርሐት ምዃና ኣብ ኤግዚቢሽን ተሳትፎኣ ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ኣረዲእና ኢና ኢሎም፡፡
ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ንምዕባይ፣ ንመፃኢ ትውልዲ ዝተርፍ ስራሕ ንምስራሕ ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ዝኾኑ ተሞክሮታት ሒዛ ከምዝቀረበት ሓቢረን።
ነበርቲ እታ ከተማ ብዝተለመደ መንፈስ ምትሕብባር ተቐባላይነት ጋሻ ክሳብ ሕዚ እናገበሩዎ ዝፀንሑ ኣስተዋረፅኦ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፀዊዐን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!