ኩለመዳያዊ ፖሊሲ ሓለዋ ኣትሌታት ኣብ ኢትዮጵያ ንኽትግበር እይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ልዕሊ ኣትሌታት ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻል “ኩለመዳያዊ ፖሊሲ ሓለዋ ኣትሌታት” ኣብ ኢትዮጵያ ንኽትግበር እናሰርሐ ምዃኑ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ስለሺ ስህን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ኣትሌት ገለቴ ቡርቃ ዘጋጠማ ፀገም ብመራኸብቲ ሓፋሽ ምዝራባ ብምፅራሕ፤ ንሃገሮም ዋጋ ዝኸፈሉን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፀገም ዘርከቡን ኣትሌታት ቁፅሮም ብዙሕ ከምዝኾን ተዛሪቦም፡፡

ዓለም ለኸ ኣትሌቲክስ ንሓለዋ ኣትሌታት ዝድንግጉ ሕጊታት ካብ 2023 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኾኑ ውሳ ከምዘሕለፈ እውን ኣዘኻኺሮም፡፡

ብምዃኑ ድማ “ኩለመዳያዊ ፖሊሲ ሓለዋ ኣትሌታት” ኣብ ኢትዮጵያ ንኽትግበር እናሰርሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ፀገማት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌታት እውን ብስፍሓት ከምዝረኣዩ ሓሮም፡፡

ብወርቅነህ ጋሻሁን

 

ቅልጡፍን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ፡-

Website www.fanamc.com/tigrigna

Faceboo kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment