ኩለመዳይ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኩባን ንምጥንኻር ብትኹረት ክስራሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኩባን ዘለወን ኩለመዳይ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክስራሕ ኢዩ፡፡

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ብፕሬዚዳንት ኢንስቲትዩት ምሕዝነት ህዝቢታት ኩባን ኣባል ፓርላማ እታ ሃገርን ፈርዲናንድ ጎንዛሌስ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኩባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምረቓ ብምብቅዑ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ግድብ ህዳሰ መርኣያ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ኢ ዝበሉ እቶም ልኡኻት÷ ኣብታ ሃገር ዝተጀመረ ጉዕዞ ምዕባለ ምቅልጣፍ ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም፡፡

ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ግድብ ህዳሰ ብርእሰ ዓቕሚ መሰል ዓበይቲ ፕሮጀክታት ምውጋን ከምዝከኣል ንኣፍሪካ ኢሉ እውን ንዓለም ትምህርቲ ዝሃበ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኢትዮጵያን ኩባን ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክብ ከምዘለወን ብምዝኽኻር÷ ኣብ ቀፃሊ ርክብ ፓርቲ ምስ ፓርቲ፣ መንግስቲ ምስ መንግስቲን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ርክብ ብሰነድ ስምምነዕትን ካልኦት መገዲታትን ትካላዊ ንምግባርን ንምትግባርን ገዛእቲ ፓርቲታት እተን ሃገራት መሪሕ ግደ ንኽዋፅኡ ተስማዕሚዖም፡፡

ብተመሳሳሊ እቲ ልኡኽ ተወከልቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዲሪኢ ምስ ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘቲዮም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኩባ ብዘሎ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ምሕዝነት ፓርላማ ከምኡ እውን ርክብ ፓርቲ ተዛቲዮም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment