ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ዘዛምድ ሓበራዊ ያታ የድሊ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ዘዛምድ ሓበራዊ ያታ የድሊ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ።

ኣይተ ኣደም ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተወሰዱ ወሰንቲ ስጉምቲታት ዘዛመድ ያታ ኢትዮጵያ ብምፍላይ ምቕራፁ ኢዩ ኢሎም።

ብሄራዊነት ዘዛመድ ያታ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ብነፃነት፣ ማዕርነት፣ ፍትሓውነት፣ ሕውነትን ክብሪ ዝተመስረተ ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ዘዛመድ ጋዛኢ ያታ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ናይ ብሄራዊነት ያታ ዝሓለፈ ብኣግባቡ መዚንካ ዘሎ እወንታዊ ነገር ንምቕፃል፣ ዝነበሩ ህፀፃት ንምእራም ከምኡ’ውን ናይ ቀፃሊ ተስፋ ንምልምላምንን ስግኣታት ንምትራፍን ዘኽእል ከመዝኾነ ገሊፆም።

ጠመትኡ ሓበራዊ ማንነትን ሃገር ብኹሉ ካብ ኹሉ ንኹሉ ንምህናፅ ዘገለግል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዝተቐረፀ ያታ ናይ ምስራፅ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ፓርቲ ብልፅግና ብፅሒቱ ይዋፃእ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment