ኩለ መዳያዊ ዕብየት ንምምፃእ ዓውዲ ኣገልግሎት መንግስቲ ልዑል ግደ ኣለዎ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓንቲ ሃገር ኩለ መዳያዊ ዕብየት ንምምፃእን ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ዓውዲ ኣገልግሎት መንግስቲ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

ዓብዪ ኮሚቴ ኣመራርሓ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን ሪፎርም መንግስቲ ሎሚ መበል ሓምሻይ ስሩዕ ኣኼብኡ ምክያዱ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትይር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር ናብ መሶብ ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት ዝኣተዋ ትካላት ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ኣብ ካልኣይ ዙር ንምእታው ምድላው ዝዛዘማ ትካላት ዘለወን ቅድመ ምድላውን ርኢና ኢሎም።

ብተወሳኺ መሶብ ኩለን ክልላትን ከልቲአን ምምሕዳራት ከተማን ንምጅማር ዘካይድዎ ዘለዉ ቅድመ ምድላው ብዝምልከት ፀብፃብ ከምዝተገምገመ ሓቢሮም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ናብ መሶብ ዝኣተዋ ትካላት በዝተቐመጠ ስታንዳርድ መሰረት ስሉጥ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ምግምጋሙ ገሊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment