ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩባንያታት ኣውሮፓን ፈረንሳይን ኣብ ናፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ስራሕ ንኽጅምሩ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ኣውሮፓን ምስ ዝተረኸቡ ሰብ ዋና ኩባኒያ ኣውሮፓን ፈረንሳይን ተዛቲዮም።
እቶም ዋና ፈፃሚ ኣብቲ እዋን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ናፃ ንግዲ ድሬዳዋ ሃፍቶምን ፍልጠቶምን ኣብ ስራሕ ንምውዓል እንተወሲኖም እቲ ኮርፖሬሽን ደረጃኡ ዝሓለወ መሰረተ ልምዓትን ሓደ ማእኸል ኣገልግሎትን ከምዘቕርብ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት፣ ሎጂስቲክስን መሰረተ ልምዓትን ዘለዋ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት እውን ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበዩ ዝመፅኡ ሃገራዊ ስትራቴጂያዊ ኢንቨስትመንታት ንምሕጋዝ ዘድልዩ ዘፈር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ክፍቲ ከምዝተገበሩ ተዛሪቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ኩባንያታት ካብ 100 ሺሕ ንዝበልፁ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ኣብቲ ኮርፖሬሽን ሓላፊ መምርሒ ኮርፖሬት ኮሙኒኬሽን ኣይተ ጳውሎስ በለጠ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!