ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ዘሎ ኩነታት ፀፅታ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ ምርጫ ንምግምጋም ዝዓለመ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምስ መዳርግቲ ኣካላት በምኻን ኣብ ዛዕባታት ፀፅታ ንምዝታይ ዘዳለዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላተወርቅ ሃይሉ፥ ቦርድ ምርጫ ብመሰረት ዘውፀኦ ሰደቓ ግዘ ዝተፈላለዩ ተግባራት የካየድ ከምዘሎ ተዛሪበን።
ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 1 ለካቲት 2018 ዓ.ም ኣብ ዝፀንሕ ምርጫ ሕፁያት ክሳብ ሐዚ 41 ብተናፀል፣ 15 ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ እኹባት ዝቐረቡ ፓርቲታት ሕፁያቶም የመዝግቡ ከምዘለዉ ገሊፀን።
እቲ ምርጫ ኣብ ዝግበረሎም ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ብሓምለዋይ፣ ቢጫን ቀይሕን ዝተፈለየ አንትኸውን፥ ኣብቲ መድረኽ ነዚ ዝጥምት ፀብፃብ ፀፅታ ቀሪቡ ካብ መዳርግቲ ኣካላት እታዎት ክወሃበሉ ኢዩ ኢለን።
ብኣንዷለም ተስፋዬ