ኪሊያን ምባፔ ናይ ወርቂ ጫማ ሽልማቱ ተረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈረንሳዊ ተፃቲ ክፍሊ ምጥቃዕ ኪሊያን ምባፔ ኣብ ዘበነ ውድድር 2024/25 ዝተዓወቶ ሽልማት ወሪቂ ጫማ ሎሚ መዓልቲ ተረኪቡ፡፡

ኪሊያን ምባፔ ኣብ 2024/25፤ 31 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኸብ መመዝገቢ ሸቶ ላሊጋ ስፔን ብምዃ ምዝዛሙ ይዝከር፡፡

እቲ ተፃዋቲ ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ወርቂ ጫማ ብምዕዋቱ ሕጉስ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ዳግም ክዕወት ከምዝደሊ ተዛሪቡ፡፡

ፕሬዚዳንት ጋንታ ሪያል ማድሪድ ፍሎረንቲኖ ፔሬዝ ብግደኦም÷ ኪሊያን ምባፔ ኣካል እታጋንታ ብምዃኑ ከምዝሕጎሱ ገሊፆም፡፡

ወዲ 26 ዓመት ተፃዋቲ ኪሊያን ምባፔ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ላሊጋ 11 ሸቶታት ብምምዝጋብ ደረጃ ኮኸብ መቑፀሪ ሸቶ ላሊጋ ስፔን እናመርሐ ይርከብ፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment