ካልቨርት ሊዊን ናብ ሊድስ ዩናይትድ ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሊድስ ዩናይትድ ንዶምኒክ ካልቨርት ሊዊን ከምዘፈረመቶ ዕላዊ ገይራ፡፡

እንግሊዛዊ ተዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ካልቨርት ሊዊን ኣብ ሊድስ ዩናይትድ ንሰለስተ ዓመት ዘፅነሖ ውዕሊ ፈሪሙ፡፡

ወዲ 28 ዓመት ካልቨርት ሊዊን ኣብ ኤቨርተን ዘለዎ ውዕሊ ምዝዛሙ ስዒቡ ኢዩ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ዝዓበየት ሓዳሽ ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ብናፃ ዝውውር ተፀምቢሩ ዘሎ፡፡

ኣብ ዝተዛዘመ ዓመተ ውድድር ንኤቨርተን ኣብ ዝገበሮም 26 ናይ ሊግ ፀወታታት ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበእንትኸውን÷ ሓንቲ ንሸቶ ዝኾነተ ኩዕሾ ኣመዓራሪዩ ኣቐቢሉ፡፡

ዶሚኒክ ካልቨርት ሊዊን ምስ መርሲሳይድ ጋንታ ኤቨርተን ድሕሪ ዝነበሮ ትሽዓተ ዓመታት ፃንሒት ከምዝተፈላለየ ስካይ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment