ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካሳሁን ዘውዱ ተሸላሚ ፋና ላምሮት ውድድር ፍፃመ ምዕራፍ 19 ኮይኑ።
ንሰለስተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር ፋና ላምሮት መዕራፍ 19 ብድሙቕ ስነ ስርዓት ተዛዚሙ።
ናብ ውድድር ፍፃመ ዝሓለፉ ተወዳደርቲ፥ ብሩክ ሰለሞን፣ ዮሴፍ ጉልላት፣ ካሳሁን ዘውዱን ኤፍሬም ጌታቸውን ኢዮም።
እቶም ተወዳደርቲ ኣብ ሰለስተ ዙር ዝመረፅዎም ሙዚቃታት ምስ ባን ኮኾብ ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ንተወዳደርቲ ናይ 1 ሚሊየን ብር ሽልማት ኣበርኪቱ።
ብመሰረት እዚ ካሳሁን ዘውዱ ውድድር ፍፃመ ምዕራፍ 19 ፋና ላምሮት ብምዕዋት ነይ 400 ሺህ ብር ተሸላሚ ኮይኑ።
ብተመሳሳሊ ኤፍሬም ጌታቸው ኣብቲ ውድድር ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ 300 ሺህ ብር ተሸላሚ ኮይኑ።
ብሩክ ሰለሞን ሳልሳይ፣ ዮሴፍ ጉልላት ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ብቕደም ሰዓብ ናይ 200 ሺህ ብርን 100 ሺህ ብርን ተሸለምቲ ኮይኖም።
ብመላኩ ገድፍ