ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ማሕበረሰብ ዓለም ለኸ ሓበሬታ ዝምራሕን ምክልኻል ገበናት ብምስፋሕ ካብ ሃገር ሓሊፉ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ንምክልኻል ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኮሚሽነር ጄኔራል ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፡፡
መበል 20 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ “ሓድነት ፖሊስ ንዘላቒ ሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ።
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ኣብቲ እዋን ከምዝበሎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ዝተኻየደ ሪፎርም ትካላት ፀጥታ ሓይሊ ፖሊስ ሃገራዊ ተልእኾታት ብኣድማዒ መንገዲ ንምፍፃም ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ዘመናዊ ኣፅዋርን ሎጂስቲክስን ምምላእ ሓዊሱ ግዜ ዝምጥን ዝሰልጠነን ሞያዊን ሓይሊ ፖሊስ ንምህናፅ ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡
ብለይኩን ኣለም