ካብ ልመናን ፅግዕተኛነትን ዝተናገፈ ታሪኻዊ ጉዕዞና ሓቀኛ ሉኣላዊነት ነረጋገፅ ኣለና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ልመናን ፅግዕተኛነትን ዝተናገፈ ሓዱሽን ታሪኻዊን ጉዕዞና ሓቀኛ ሉኣላዊነት እናረጋገፅና ንርከብ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ዝርከብ መዓልቲ ዝላ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፣ ጉዕዞ ዝላና ንመፃኢ ዓመት ዝተሓንገጦ ተስፋ ኣዝዩ ልዑል እዩ ኢሎም።

ብሚልዮናት ዶላር ስርናይ ካብ ምእታው ተበጊስና ሎሚ ድማ ቀዳመይቲ መፍረዪት ስርናይ ኣፍሪካ ብምዃን ሚልዮናት ዶላራት ወፃኢ ክነድሕን ክኢልና ኢና አሎም።

ኣቦታትና ዳርን ዶብን ኢትዮጵያ ብደምን ብኣጽምቶምን ኣረጋጊፆም ዓባይ ሃገር ከም ዘውረሱና ብምዝኽኸር ሎሚ ድማ ሓቀኛ ሉኣላዊነት እናረጋገፅና ዘለና ካብ ልመናን ፅግዕተኛነትን ዝተናገፈ ሓዱሽን ታሪኻዊን ጉዕዞና እዩ ኢሎም።

ብ«ትሩፋ ትሌማት » ውሕስና ምግቢ ብተግባር እናኣረጋገፅና፣ ብጎስጓስ «ኢትዮጵያ ተፍሪ» ድማ ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ብምስፍሕፋሕን ዕድላት ስራሕ ብምፍጣርን ሉኣላውነትና እናኣረጋገፅና ንርከብ እውን ኢሎም።

ቅድሚ ሕዚ ዘይድፈሩን ዘይንክኡን ተባሂሎም ዝፀንሑ ከበድቲ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም ውሳነታት ብቆራፅነት ብምትግባር ኢኮኖሚ ሃገርና ኣብ ፅኑዕ መሰረት እናሃነፅናዮ ንርከብ ክብሉ ኣብሪሆም።

እዞም ኩሎም ዓበይቲ ዓወታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘጋጥማ ውሽጣዊን ደጋውን ብድሆታት ሸብረኽ ከይበለት ብፅንዓት ክትጓዓዝ ከም ዝኸኣለት ዘረጋግፁ ህያው ምስክራት ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ እዚ ናይ ዕቤትን ምዕባለን ጉዕዞና ንዝመፅእ ዓመት ዝሰነቖ ተስፋ ኣዝዩ ዓብዪ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment