ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣብዚ በጀት ዓመተ ካብ ማዘጋጃ ቤታዊ ኣገልግሎት ልዕሊ 76 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ ኢሉ።
ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 እቲ ሚኒስቴር ከምኡ እውን ትልሚ በጀት ዓመት 2018 ዝግምግም መድረኽ ኣካይዱ፡፡
ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረበኦ ሪፖርት÷ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ብዙ ዝተሓላለሑ ፀገማት ውሽጢ እቲ ዓውዲ ብዝሐሸ ደረጃ ንምምራሕ ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ብምውጋን ተወሳኺ ውፅኢት ከምዘምፀአ ኣልዒሎም፡፡
ስርዓት ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምምሕያሽ ከምዘርአየን ዓበይቲ ኘሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ንምፍፃም ዘኽእል ልምዲ ብሰፊሑ እናዓበየ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም፡፡
ኣብቲ በጀት ዓመት ሽፋን ዓውዲ መሰረተ ልምዓት መገዲ 175 ሺሕን 879 ኪሎ ሜትሮ ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ከምኡ እውን ደረጃ መዘጋጃ ቤታዊ ኣገልግሎት ኣብ 220 ከተማታት ምትግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን፡፡
ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምምሕዳር ከተማ ብምምሕያሽ ቁፅሪ ምድላው ፕላን ከተማታት ናብ 88 ነጥቢ 7 ክብ ክብል ምግባር ከምዝተኽኣለ እውን ኣገንዚበን፡፡
ኣብ 2017 ዓ.ም ካብ ማዘጋጃ ቤታዊ ኣገልግሎት 76 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ምእካብ ከምዝተኽኣ ኣልዒለን፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ 499 ሺሕን 75 ትሕዝቶ መሬት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ካዳስተር ከምዝተመዝገበ ሓቢረን፡፡
ብቤዛዊት ከበደ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!