ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዓለም ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ዝበለፁ ተኸላኸልቲ ክፍሊ ማእኸል ሓደ ኢዩ ፈረንሳዊ ዊሊያም ሳሊባ፡፡
ማእኸላይ ብርኪ ናብራ ካብ ዘለዎም ስድራ ዝተወለደ ሳሊባ፤ ከም ሓደ ሰገን ኣብ ፓሪስ ኣብ ትርከብ ቦንዲ መንደር ኣብ መገዲ ኩዕሾ እናተፃወተ ኢዩ ዓብዩ፡፡
ኣብ ህይወት ኩዕሾ እግሪ ሳሊባ ልዑል ለውጢ ዘምፀአ ኣቦ ኪሊያን ምባፔ፤ ዊልፍሬድ ምባፔ ኢዩ፡፡
ኣቦ ኪሊያን ምባፔ ፤ ዊልፍሬድ ምባፔ ንዊሊያም ሳሊባ ኣብ 6 ዓመቱ ኣብ መገዲ እናተፃወተ ነይሩ ንፈለማ ዝተመልከቶ።
ኣብ ቦንዲ መንደር ኪሊያን ምባፔ እንተይተረፈ ፈላማይ ጅይት ኩዕሾ እግሪ ስልጠና ዝጀመረሉ ቦንዲ ኣካዳሚ፤ ሳሊባ ብዊልፍሬድ ኣቢሉ ክፅምበር ክኢሉ፡፡
ምስ ኪሊያን ምባፔ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ እናተምሃረ ዝዓበየ ሳሊባ፤ 13 ዓመት እንትመልኦ ካብ ቦንዲ ኣካዳሚ ብምልቓቕ ናብ ሞንትፈርሚል ተፀምቢሩ፡፡
ኣብ ሞንትፈርሚል ክልተ ዓመታት ምስ ፀንሐ ናብ ጋንታ ሴንት ኢቴን ትሕቲ 17 ዓመት ክፅምበር ክኢሉ፡፡
ኣብ ሴንት ኢቴን ፅቡቕ ግዘ ከሕልፍ ብምኽኣሉ ድማ ኣ17 ዓመቱ ናይ መጀመርትኡ ፕሮፌሽናል ኮንትራት ምስ ሴንት ኢቴን ተፈራሪሙ።
ኣብ ቀዳማይ ዓመት ሴንት ኢቴን ፃንሒቱ ቱኽረት ጋንታታ ኣርሰናልን ቶተንሃምን ዝሰሓበ ሳሊባ፤ ብ27 ሚሊየን ፓውንድ ናብ ኣርሰናል ክፅምበር ክኢሉ፡፡
ሳሊባ ፊርማኡ ንኣርሰናል የንብር እምበር ንሓደ ዓመተ ውድድር ብልቓሕ ኣብ ሴንት ኢቴን ፀኒሑ ኢዩ፡፡
ናይ ልቓሕ ውዕሉ ዛዚሙ ናብ ኣርሰናል ዝመፅአ ሳሊባ ናብ ዋና ጋንታ ይፀምበር እምበር ብዙሕ እንተይፀንሐ ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት ጋንታ ኣርሰናል ክካተት ተገበረ፡፡
ካብዚ ብምቕፃል ናብ ጋንታታት ኒስን ማርሴይን ብልቓሕ ምስተፃወተ ኣብ 2022/23 ዓመተ ውድድር ኣብ ዋና ጋንታ ኣርሰናል ክፅምበር ከኣለ፡፡
ንኣርሰናል ምስፈረመ ድሕሪ ሓፂር ግዘ ኣቡኡን እንኡን ብሞት ዝሰኣነ ሳሊባ ፅቡቕ ህይወት ንምሕላፍ ዓመታትን ተፀብዩ ኢዩ፡፡
ሕልሙ ምንባር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዝፈትዎም ኣቡኡን እንኡን ብሞት ይስኣን እምበር ስርሑ ብብርተዐ ይውግን ነይሩ፡፡
ሳሊባ ኣብ 2022 ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፀወታኡ ክገብር ክኢሉ፡፡
ኣብ ትሕቲ ሚኬል ኣርቴታ ዘደንቕ ብቕዓት እናርአየ ዝርከብ ሳሊባ እዚ ዓመት ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ኣርሰናል ናይ ፅዋዕ ተናሓናሒት ክትከውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ ኢዩ፡፡
ብምኽሪን ሓገዝን ኩዕሾ እግሪ ኣቦ ክሊያን ምባፔ ዝዓበየ ዊሊያም ሳሊባ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመሰረት ትራንስፈር 90 ሚሊየን ዩሮ ዋጋ ዘውፅእ ተፃዋታይ ኮይኑ ይርከብ፡፡
በዚ ድማ ዊሊያም ሳሊባ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ክባራት ተኸላኸልቲ ክፍሊ ማእኸል ብቕድሚት ጠሰሪዑ ይርከብ፡፡
ኣብ ዋና ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ካብ 2022 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ እናገልገለ ዝርከብ ሳሊባ፤ ኣብ ኳታር ፅዋዕ ዓለም ምስ ሃገሩ ክሳብ ፍፃመ ከምዝተጓዘ ይዝከር፡፡
ፈረንሳዊ መድፈዐኛ ኮኸብ ዊሊያም ሳሊባ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2001 በዛ ሎሚ ዕለት ተወሊዱ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ