ካብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ

ኮሚቴ ፖሊሲ ገንዘብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 15 መስከረም 2018 ዓ.ም ራብዓይ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

እቲ ኮሚቴ ፤ ኣብ ዝቕባበ ዋጋታት ኢትዮጵያ ፣ ፊስካል፣ ወፃኢ ኢኮኖሚ፣ ቀረብ ገንዘብን ፋይናንሳዊ ኣንፈታት፣ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት፣ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጣዊ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝረኣይ ዘሎ ዓለም ለኸ ኩነታት ገምጊሙ፡፡

ብመሰረት እዚ ዓመታዊ ዝቕባበ ዋጋታት ብምምፃእ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2017 ዓ.ም 13.6 ሚኢታዊ ምብፅሑ ርእዩ፡፡

ኣብ ምንቅስቓስን ዕብየትን ኢኮኖሚ ብዝምልከት ድማ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ተገንዚቡ፡፡

ነዙይ ድማ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝረኣይ ምውሳኽ ምህርትን ኣፍራይነትን፣ ሸርፊ ወፃኢ ዝሰማማዕ ዕብየት ምህርቲ ኢንዱስትሪ ተተሓሒዙ ፍርያት ንምዕባይ ከምኡ እውን ኣብ ንግዲ ሰደድ ብፍላይ ድማ ሰደድ ቡንን ወርቅን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ልዑል ግደ ገይሩ፡፡

ኩነታት ወለድ ተመን፡- ዕብየት ምስ ወለድ ፖሊሲ ተቀራራቢ ምዃኑ፣ ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ወለድ ተመን ክነፃፀር ከሎ ልዕሊ ዜሮ ኮይኑ ምቕፃሉ እቲ ኮሚቴ ተገንዚቡ፡፡

ምርግጋዕ ዘፈር ፋይናንስ፦ ዓውዲ ዘፈር ባንኪ ትሑትን ዝተበላሸወ ልቃሕን እኹል ካፒታል ዘመዝገበ ብምዃኑ ጥዕንኡ ዝተረጋግዐ ኮይኑ፡፡

ኩነታት ፊስካል፦ ፊስካላዊ ፖሊሲ ጥንቃቐ ዝተመልአን ምስ ብሄራዊ ባንኪ ገንዘብ ዝተስማዕመዐ ኮሚቴ ምዃኑ ተገንዚቡ፡፡

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት መንግስቲ ኣብ ፈለምቲ ክልተ ኣዋርሕ ናይዚ በጀት ዓመት ሕፅረት ባጀት ንምምላእ ካብ ብሄራዊ ባንክ ዝኾነ ይኹን ልቓሕ ዘይምውሳዱ ንፖሊሲ ገንዘብ ብሄራዊ ባንኪ ቅዋም ዝድግፍ ኮይኑ ቀፂሉ፡፡

ኣብ ዓውዲ ወፃኢ፡- ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ካብ ዝተወሰደ ኩለመዳያዊ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ብዙሓት መመዘኒታት ውፅኢታዊ እናኾነ ምምፅኡ እቲ ኮሚቴ ተገንዚቡ፡፡

ካብዚ ገምጋም ብምብጋስ እቲ ኮሚቴ ከም ዝስዕቡ ምክረ ሓሳባት ፖሊሲ ገንዘብ ንቦርድ ኣቕሪቡ፡-

ፈላማይ፤ ተመን ፖሊሲ ብሄራዊ ባንኪ ሕዚ ኣብ ዘለዎ 15 ሚእታዊ ክፀንሕ፣ ኣብ ቀዋሚ ተቐማጢ ገንዘብን ብሄራዊ ባንኪ ዝህቦ ቀዋሚ ተቐማጢ ግልጋሎት ልቓሕ፣ ግልጋሎት ልቃሕ ዝኽፈሉ ወለዳትን ተመን ብዘለዎም ክቕፅሉ፣ ከምኡ እውን ብሄራዊ ባንኪ ዘንብርዎ ግዴታ መሐለውታ ምጣኔ ኣብ ዝነበሮ ክፀንሕ ተወሲኑ፡፡

ካልኣይ፤ ገደብ ዕብየት ልቓሕ ባንክታት ምልዓል ቅዋም ፖሊሲ ገንዘብ ንምምርኣይ መሓውር እቲ ፖሊሲ ዝተመሓየሸ ንምግባር ዋላእኳ እንተተኣመነ፤ ሕዚ ዝረኣይ ዘሎ ዝቅባበ ዋጋ ተዘሓሒሉ ንክቕፅል ኣብ ዓውዲ ፋይናስ ጥዕንኡ ንምሕላው ኣብ ወርሒ መስከረም ክልዓል ይኽእል ተባሂሉ ዝግመት ዕብየት ዓመታዊ ልቃሕ ባንኪታት ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ምልዓል ንግዚኡ ካብ 18 ሚኢታዊ ናብ 24 ሚኢታዊ ክብ ክብል ተወሲኑ፡፡

ሳልሳይ፤ ብሄራዊ ባንክ ዝቕባበ ዋጋ ብዝድለ ልክዕ ክንኾን ከከም ኣድላይነቱ መራሒ ዕዳጋ ዝኾኑ መሳርሒታት ፖሊሲ ገንዘብ ብውልቃዊ ይኹን ብሕብረት ብቀፃሊነት ተረባሒ ክገብር እዩ፡፡ እዞም መሳርሒታት ፖሊሲ ገንዘብ ወለድ ተመን ብሄራዊ ባንኪ ምስ ባንክታት ዝገብሮ ዕድጊት፣ ምትእትታው ሸርፊ ወፃኢ ከምኡ እውን ባንክታት ዝጥቀምሉ ግዴታ መሐለዊ ምጣነ ክኾን እዩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኼባ እቲ ኮሚቴ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ 2018 ክኾን ተወሲኑ።

ኮሚቴ ፖሊሲ ገንዘብ

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ

19 መስከረም, 2018

Comments (0)
Add Comment