ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሰራርሓ ሕርሻን ኣተሓራርሳ ብምዝማን ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዝተጀመሩ ተግባራት ኢንሼቲብ ዓውዲ ሕርሻ ርኡይ ውፅኢት እናምፅአ እዩ ኢሉ ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ፡፡
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ በጀት ዓመት ገምጋም ኣፈፃፅማን 2017 ዓ.ም ትልሚ 2018 ዘተ አብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዝተጀመሩ ተግባራት ኢንሴቲቫት ዓውዲ ሕርሻ ርኡይ ውፅኢት የመዝግቡ ኣለው፡፡
ኣብ እዋን ሓጋይ ብመስኖ ዝለምዕ ስርናይ፣ ልምዓት ፅድያን ክረምትን፣ ቡን፣ ፀባ ላሕምን ልምዓት ሃፍቲ ዓሳን ዓወት ከምዝተመዝገበ ኣመልኪቶም።
ኣብ እዋን ክረምቲን ብመስኖ ዝለምዕ ስርናይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዓመታዊ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ዝነበረ ልዕሊ 17 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ስርናይ ከምዘድሓነ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!