ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ነባር ሓፁር ሓሳብ ብምውፃእ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ብሓባር ንስራሕ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስረታ በዓል መበል 75 ዓመት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምኽንያት ብምግባር “ግደ ምሁራን ንሃገራዊ ምዕባለ” ብዝብል ርእሲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣቕሪቦም፡፡
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ዘቕረብዎ ፅሑፍ÷ ዓውዲ ውልቀ ንምዕባለ ሃገር ሓጓፍ ዝምልእ፣ ሓሳብ ዝዕድግ፣ ጠንካራ ናይ ምምራሕን ናይ ምእማትን ዓቕሚ ዘለዎ መንግስቲ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ዕዉትን ብድሆታት ዝካፈልን ዓውዲ ውልቀ፣ ዘዛምድ ክእለት ናብ መሰረተ ልምዓት ዝቕይርን ግቡእ መካነ ትምህርቲ ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።
ማሕበረሰብ ድማ ኣብ ከይዲ ይኹን ውፅኢት በዓል ዋና ብዝኾነ ዘጋጥሙ ፈተናታትን ዓወታትን ዝቋደስ ህዝቢ ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
ነዚ እውን ብዝሃ ዓውዳዊ ኣሰራርሓ የድሊ ብምባል፥ ኢንተርፕርነር ዝኾነ ክብሪ ምፍጣር ዝኽእል ዓውዲ ውልቀ ክህሉ ይግባእ ኢሎም።
ዘስርሕ ስርዓትን መሓውርን ዘለዎ ኢንተርፕርነር መንግስቲን ሃሳብን ምፍጣር ዝኽእል ኢንተርፕርነር ምሁራዊ ግደ ክህሉ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ስለ ዝኾነ ካብ ነባር ሓፁር ሓሳብ ብምውፃእ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ብሓባር ንስራሕ ኢሎም።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!