ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ወረዳ ጋጮ ባባ ቀበሌ ላካ 1 መጋቢት 2018 ብምኽንያት ከቢድ ዝናብ ዝተፈጠረ ምንሽርታት መሬት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህይወት ዜጋታት ዝበፅሐ ከቢድ ጥፍኣትን ምምዝባልን ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።
በዙይ ሓደጋ 52 ዜጋታትና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ዝተረጋገፅ እንትኾን፤ መንግስቲ ንስድራቤት መዋቲ፣ ፈተውቲን ኣዝማዶምን፣ ንህዝቢ ዞባ ጋሞን ንመላእ ህዝቢ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያን ልባዊ ምፅንዕናዕ ይምነ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራልን ክልልን ኣብቲ ቦታ ብምጉዓዝ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ሰባት ስራሕቲ ብምብርትታዕን ደገፍን ብቐረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን ብምሕባር፤ በቲ ሓደጋ ካብ መንበሪ ኣባይቶም ዝተመዛበሉ ወገናት መሰረታዊ ቀረብ ምግቢ ብህፁፅ ንክበፅሕ እቲ ክልል ምስ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሓደጋ ስግኣት ፌደራል ብምውህሃድ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
መንግስቲ ግዝያዊ ድጋፍ ኣብ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ግዳያት ጉድኣት ናብ ናብርኦም ንምምላስ ዝነበሮም ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እንትኾን ተወሳኺ ጉድኣት ንብረትን ህይወትን ንምክልኻል ኣብ ሓደጋ ዞባታት ተባሂሎም ኣብ ዝተለለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ማሕበረሰባት ናብ ውሑስ ከባቢታት ናይ ምዝውዋር ስራሕ ብትኹረትን እናሰርሐ ይርከብ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ዝናባማ ኩነታት ኣየር መሰል ሓደጋታት ከስዕብ ስለዝኽእል፣ ብፍላይ ተቃላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታት ዝህልው ዜጋታት ካብ መንግስቲ ዝውሃቡ ሓበሬታታትን ጥንቓቀታትን መምርሕታትን ብጥብቂ ብምትግባር ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!