ካብ ወፃኢ ቡን ልዕሊ 2 ነጥቢ 24 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ዕዳጋ ቡን ዝቀረበ ፍርያት ቡና ልዕሊ 2 ነጥቢ 24 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሉ፡፡

ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝብን ኮሙኒኬሽን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ሳህለማርያም ገብረመድህን ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 280 ሺሕ ቶን ቡን ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ።

በዙይ እውን 409 ሺሕን 605 ቶን ቡን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ልዕሊ ትልሚ 146 ሚእታዊ ብምዕዋት ልዕሊ 2 ነጥቢ 24 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ካብ ምርካብ ብዝሓለፈ ዓመት ኣንፃር 1 ቢሊየን ዶላር ወሰኽ ከምዘርኣየ ሓቢሮም፡፡።

ሎሚ ዓመት ጀርመን፣ ስዑድ ዓረብን ኣሜሪካን ቀደምቲ መባፅሕ ፍርያት ቡን ምዃነን ኣረዲኦም፡፡

ብተመሳሳሊ ቤልጅየም፣ ቻይና፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ጃፓን፣ ኢጣልያን ዮርዳኖስን ቀንዲ ዓደግቲ ቡን ኢትዮጵያ ምዃነን ገሊፆም።

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment