ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር እቶት ሰደድ ተረኺቡ ኢሎም ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፡፡
ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ 2018 በጀት ዓመት ኣብ 6 ኣዋርሕ ገምጋም ኣፈፃፅማ መድረኽ ዓውዲ ንግዲ ኣብ ከተማ ደሴ የካይድ ኣሎ።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ልዕሊ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ወፃኢ ንግዲ 4 ነጥቢ 2 ንምርካብ ተተሊሙ ልዕሊ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ኣታዊ ምርካቡ ተዛሪቦም፡፡
በዙጥ ድማ 120 ሚእታዊ ምፍፃም ምኽኣሉ ብምሕባር፤ ካብ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋናት እንትነፃፀር ልዕሊ 1 ነጥቢ 83 ቢሊየን ዶላር ወሰኽ ከምዘለዎ ኣረዲኦም፡፡
ብከድር መሓመድ