ካብ ዓድዋ ክሳብ ፓን-ኣፍሪካኒዝም፤ ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ካብ መለለዪ ሓንቲ ሃገር ኣዝዩ ዝዓዘዘ ትርጉም ዘለዎ፤ ዓለም ለኸ ምልክት ናፅነት፣ ሉኣላዊነትን ሓድነትን ፀለምቲ ህዝብታት እዩ።

ብሓለዋይ፣ ብጫን ቀይሕን ሕብሪታት ዘለዉዎ እዚ ሰንደቕ ዕላማ፤ ብጀግንነትን መስዋእትነትን ኣቦታት ኣብ ከይዲ ዝተሃንፀ ንኣህጉር ኣፍሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ጭቁናት ህዝብታት ተስፋ ብርሃን ብምዃን ዝውለብለብ ዘደንቕ ታሪኽ ኣለዎ።

እዚ ሰንደቕ ዕላማ ብብርኪ ዓለም ልዑል ክብሪን ዝናን ክረክብ ዝገበሮ ቀንዲ ፍፃመ፤ ኣብ 1888 ዓ.ም ኢትዮጵያውያን ዘመዝገቡዎ ዓወት ዓድዋ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ብባዕዲ ንምግዛእ ዝመፅአ ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ኣብ ዓድዋ ስዒሮም ዓወቶም ምስ ኣወጁ እቲ ሰንደቕ ዕላማ ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ምዃኑ ኣብቀዐ።

እዚ ዓወት ኣብቲ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባዕዳዊ ገዛእቲ ኣውሮፓውያን ዝነበሩ ኣፍሪካውያንን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፀለምቲ ህዝቢታትን “ንፀዓዱ ምስዓር ይከኣል እዩ” ዝብል ዓብዪ መንፈሳዊ ብርተዐ ሂቡ።

ዓድዋ ናይ ፀለምቲ ህዝብታት መርኣያ ኩርዓት እንትኸውን፤ ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ እውን ናይቲ ዓወትን ናፅነትን መግለፂ ብምዃን ኣብ መላእ ዓለም ተፈለጠ።

ናይ ኩሎም ፀለምቲ ህዝብታት ምልክት ዓወትን ናፅነትን ብምዃን ክብ ኢሉ ኣብረሀ።

ምዕራባውያን ኣፍሪካ ኣብ ዝተመቓቐልሉን ዝገዝእሉን ዝነበሩ እዋን ናፅነቶም ንምርግጋፅ ይቃለሱ ንዝነበሩ መራሕቲ ኣፍሪካን ተጋደልትን ኢትዮጵያ ምልክቶም ኮነት።

ቀለማት ባንዴራ ኢትዮጵያ (ሓምለዋይ፣ ብጫን ቀይሕን) ምልክት ናፅነት፣ ቃልሲን ሕውነት ኣፍሪካውያንን ብምዃን ንምንቅስቓስ ፓን-ኣፍሪካኒዝም መበገሲ ኮይኖም።

ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣይንቕበልን ብምባል፤ ንወራሪ ስዒራ፣ ናፅነታ ኣረጋጊፃ ዝወፅአት ሓንቲ ጥንታዊት ሃገር ኢትዮጵያ ክብሪን ኣብነትን ንምኽታል፤ ከም ጋና፣ ሴኔጋል፣ ካሜሩን፣ ማሊን ጊኒን ዝኣምሰላ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪካ ድሕሪ ናፅነተን ኣብ ባንዴራአን ሓምለዋይ፣ ብጫን ቀይሕን ቀለማት ብመሰረታዊ መልክዑ ተጠቒመን።

በዚ ምኽንያት ድማ ሓምለዋይ፣ ብጫን ቀይሕን “ቀለማት ፓን-ኣፍሪካ” ተባሂሎም ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ክብሪ ረኺቦም ይርከቡ።

ናይዚ ሰንደቕ ዕላማ ቀለማት፤ ሱቕ ኢሉ ዝተደርደረ ኣይኮነን፤ ንኢትዮጵያውያን ሰለስቲኦም ቀለማት ዝተቐመጡሎም ነናይባዕሎም ፍሉይ ትርጉም ኣለዎም።

ሓምለዋይ፦ እታ ሃገር ዘለዋ ለምለም መሬት፣ ስራሕን ልምዓትን ይውክል።

ብጫ፦ ተስፋ፣ ፍትሒን ማዕርነትን መልክት።

ቀይሕ፦ ታሪኽ መስዋእትነትን ጀግንነትን ኢትዮጵያውያን የዘኻኽር።

ኣብ ማእኸል እቲ ሰንደቕ ዕላማ ዝርከብ ሰማያዊ ክቢ ሰላም ይውክል፤ ብጫ ኮኾብ ድማ ሓድነትን ማዕርነትን ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን፣ ከምኡ እውን ብሩህ ተስፋ የመልክት።

በዚ መንገዲ ድማ እቲ ብሄራዊ ኣርማ ብሄራት፣ ብሄረሰባት፣ ህዝብታትን ሃይማኖታትን ኢትዮጵያ ብማዕርነትን ሓድነትን ንምንባር ዘለዎም ተስፋ ዘንፀባርቕ እዩ።

ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ናይ ወለዶታት ቅብብል፣ መዝገብ ታሪኽ ጀግንነትን ፋና ብርሃን ናፅነትን እዩ።

ካብ ታሪኻዊ ዓወት ዓድዋ ጀሚሩ ክሳብ ቃልሲ ናፅነት ኣፍሪካ ዝቐፀለ እዚ ባንዴራ፣ ኢትዮጵያ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ፣ ብፍላይ ከኣ ንፀለምቲ ህዝብታት፣ ዘበርከተቶ ዘይትካእ መግለፂ መንነት እዩ።

ካብቲ ዓብዪ ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ጀሚሩ እስከ ቃልሲ ናፅነት ኣፍሪካ ዝዘለቐ እዚ ሰንደቅ፤ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብፍላይ ንፀለምቲ ህዝቢታት ዝሃበቶ ዘይትካእ መርአያ መንነት እዩ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment