ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዘበናት እናተጎሳቖለ ክጠቕሙኒ እዮም ኢሉ ብዝኣመኖም ኣካላት እናተጎድአን እናተኸሓደን ዝፀንሐ ህዝቢ እዩ። እቲ ህዝቢ ንልምዓት ዘለዎ ባህጊን ቆራፅነትን እኳ እንተለዎ ካብ ውሽጡ ብዝወፁን ናፃ ክነውፀአካ ኢና ብዝበሉዎ ኣካላት ግና ፅቡቕ ዕድል ኣይረኸበን።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንብዙሕ ዘበናት ብስም ህዝቢ ትግራይ እናነገደ ነቲ ክልል ናብ ጥፍኣት እናመርሐ ዝፀንሐ ጉጅለ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንርእሱ ከም ወኪል ህዝቢ ትግራይ እናቖፀረ እኳ እንተፀንሐ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ከምዘይኸውን ምስተረድአ መናእሰይ ናብ ኣዳዲ ግፋን ኲናትን ክኣትዉ እናገበረ ፀኒሑ እዩ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብሓይሊ ኣፅዋር ናብ ስልጣን ብምምፅኡን ብሰላማዊ መንገዲ ብሓባር ምስራሕ ዝብል መትከል ብዘይምርድኡን፤ ካብ ዕንክሊል ኲናትን ጠበኝጃን ኣብ ክንዲ ምውፃእ ካብ ጎንፂ ከትርፍ ዝዓለመ ሜላ ሒዙ ቀፂሉ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሰልፊታት ብምክያድ ኣንፃር ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘለዎ ተቓውሞ እንተርኢ ካልኦት እውን ድምፂ ክኾንዎ እናሓተተ ፀኒሑ እዩ።
ሎሚ እውን መንግስቲ ፌደራል፣ ህዝቢ ትግራይ ዝግብኦ ልምዓት ንኽረክብ፣ ንዳግመ ህንፀትን ሰላምን ዘለዎ ቆራፅነት እናርአየ ይርከብ።
ትማሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዶ በደል ከይኣኽሎ እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብገንዘብ ህዝቢ ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓት እቲ ክልል ብምዕናው፣ ብኲናትን ጥሜትን ንዝተጎሳቖሉ ተመዛበልቲ ከም መሳርሒ ብምጥቃም ሓገዝ ንምርካብን እቲ ሓገዝ ንመግዝኢ ኣፅዋር ኲናት ንምውዓልን ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክዓስል፣ ከም ካልኦት ክልላት ኣብቲ ክልል ልምዓትን ዕቤትን ክስፋሕፋሕ ይደሊ።
ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዘበናት ምስ ካልኦት ኣሕዋቱ ብሓባርን ብምትሕልላይን ዝፀንሐ፣ ምእንቲ ሃገሩ መስዋእትነት ዝኸፈለ ህዝቢ እዩ፤ እንተኾነ ግና ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ንምንፃል፣ ንስልጣኑ መዕቀቢ ዝኾኖ መሳርሒ ንምግባር እኩይ ተግባራት ክፍፅም ፀኒሑ እዩ።
ከም ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝበሉ ጉጅለታት ዕላምኦም ስልጣን ጥራይ ብምዃኑ፤ “ኣነ እንተሞይተ ዳንዴር ኣይትብቆል” ዝብል ዓይነት ኣካይዳ ብምኽታል ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ንኢትዮጵያ ብፍፁም ዘይግድሶ ሃገር ናይ ምጥፋእ ተግባር ዕላምኡ ይገብር።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ህወሓት ኣብ ትግራይ ተካኢ ወለዶ ከይህሉ ብዙሕ ፀዒሩ እዩ፤ ድሕሪኡ እውን ትግራይ ከይትቕፅል ብዙሕ ሰሪሑ እዩ። “ኣነ እንተሞይተ ትግራይ የላን” እናበለ እኳ እንተፀንሐ እንተኸነ ግና ኣይተሳኽዐሉን ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንህዝቢ ትግራይ ከም መሳርሒ ንምጥቃም እኳ እንተፈተነ፣ ሓቀኛ ድሌት ህዝቢ ግና ልምዓት፣ ሰላም፣ ማዕርነትን ብሓባር ናይ ምንባር ፅኑዕ ድሌት እዩ።