ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣ ብዙሓት ሃፍቲታት ተፈጥሮ ሒዛ ዝፀንሐት እኳ እንተኾነት እዚ ዓሚቕ ሃፍቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብሓመድ ተሸፊኑን ብባህላዊ ኣሰራርሓ ተኣሲሩን ፀኒሑ እዩ።
ከም ወርቂ፣ ታንታለም፣ ፖታሽ፣ ሊቲየም፣ ክቡራት ኣእማንን እምኒ ፈሓምን ዝኣምሰሉ ስትራቴጂካዊ መዓድናት ብእኹል መጠን ኣብ ስራሕ ብዘይምውዓሎም፣ እቲ ዓውዲ ንሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር (GDP) ዝገብሮ ዝነበረ ኣበርክቶ ካብ 0.8 ሚእታዊ ዝሓልፍ ኣይነበረን።
ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዝተተግበሩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ምምሕያሻት ኢኮኖሚን ማክሮ ኢኮኖሚን እቲ ዘፈር ካብ ኮንትሮባንድን ቅድም ኢሎም ካብ ዝነበሩን ዕንቅፋታት ብምውፃእ፣ ካብ ሓሙሽተ ቀንዲፃምዲታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ሓደ ክኸውን በቒዑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከምዝገለፁዎ፤ “መዓድን መሰረት ናይ መፃኢፃዕባለ ኢትዮጵያ እዩ። እታ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምቅላልን ፃታወታት ኢንዱስትሪ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ንምትካእን ነቲ ዘፈር ምዝማን ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።” ብምባል ዝሃቡዎ ስትራቴጂካዊ ትኹረት ነቲ ለውጢ ኣቀላጢፉዎ እዩ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት እቲ ዓውዲ ጭቡጥ ኣበርክቶ ኢኮኖሚ ክህልዎ ገይሩ እዩ። ንኣብነት፣ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 ካብ ምልኣኽ መዓድናት ልዕሊ 5 ነጥቢ 7 ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ እቶት ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ ዝተኽኣለ ኣብቲ ዘፈር ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ዘርኢ እዩ።
ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር መዓድን፤ እዚ እቶት ምስ ዝሓለፉ ዓመታት እንትነፃፀር 92 ሚእታዊት ዕቤት እቶትን 27 ሚእታዊ ዕቤት መጠን ፍርያትን ዘለዎ እዩ።
ካብዚ ድማ ዝዓበየ ብፅሒት ዝሕዝ ፍርያት ወርቂ እንትኸውን፤ ብትሕብብር ኩባንያታትን ባህላዊ ኣፍረይቲ ወርቂን ዓመታዊ ፍርያት ወርቂ ብልዑል መጠን ክውስኽ ክኢሉ እዩ።
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ጥራሕ 3 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ዝተረኸበ እንትኸውን፤ እዚ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም 44 ቶን ወርቂ ብምፍራይ 5 ነጥቢ 65 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ እቶት ኣምፂኡ እዩ።
ካብ ዝፈረየ 44 ነጥቢ 067 ቶን ወርቂ ድማ 40 ነጥቢ 86 ቶን ዝኸውን ብባህላዊ ኣፍረይቲ መዓድን ዝፈረየ እንትኸውን፤ ዝተረፈ 3 ነጥቢ 209 ቶን ወርቂ ድማ ብኩባንያታት ዝፈረየ እዩ።
እዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ኣብ ፍርያት ወርቂ ዝዓበየ ብፅሒት ዘለዎ ባህላዊ ምፍራይ ወርቂ ምዃኑን፤ ኩባንያታት ብፅሒቶም ንምዕባይ ዝያዳ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎን ዘርኢ እዩ።
ብታሪኩ ለገሰ