ትማሊ ኣብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ሲዳማ ቡናን ወላይታ ዲቻን ናይ መወዳእታ ውድድር ፀዋታ ፅዋዕ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምክያዱ ይዝከር።
ክልቲኦም ክለባት ንምድጋፍ ካብ ሃዋሳ፣ ወላይታ ሶዶን ከባቢኣን ዝመፁ ብዙሓት ደገፍቲ ዘይምርድዳእ ብምፍጣሪ እቲ ፀወታ ኣብ ዕፁው ስታድዩም ንኽካየድ ተገይሩ ፖሊስ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ዝፍጠር ዝነበረ ጎንፂ ብምትራፍ ኣድላዩ እዋናዊን ሕጋውን ተግባር ብምፍፃም ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሩ።
ኮይኑ ግና ሃገርና ንሰላምን ምርግጋእን ዝመርሖም ኣብ ሃገርናን ወፃኢ ሃገራትን ዘለው ኣካላት ተናቢቦም፤ ህይወት ሰባት ከም ከምዝሓለፈ ኣምሲሎም ብምፅብፃብ ጎንፂ ከጋድድዎ ይፍትኑ ከምዘለዉ ተዓዚብና።
ፖሊስ ጎንፂ ንምብእኣስ ክንቀሳቀሱ ዝነበሩ ውሱናት ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ እናፃረየ እንትኾን እቲ ውፅኢት ብግዘ ንህዝቢ ዕላዊ ክገብር እዩ፡፡
ካብዚ ወፃኢ ብሓደ ይኹን ብኻልእ መልክዑ ጎንፂ ዝደልዩ ሰብ ሞይቱ እናበሉ ዝዝርግሕዎ ወረ ሓሶት ምዃኑን; ሓደ ሰብ ሞት ይኹን ኣካላዊ ጉድኣት ዘይበፅሐ ኣረጋጊፁ፡፡
ስፖርት ብባህሪኡ ዝተፃልአ ዘቀራርብ ኮይኑ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ደገፍቲ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ናብ ካሊእ ከይጋደድ ፖሊስ ብዝወሰድዎ ሕጋዊ ስጉምቲ ነቲ ጎንፂ ተቆፃፂሩ።
ይኹን እምበር ብናይ ወረ ሓሶት ነቲ ሕብረተሰብ ናብ ጎንፂ ንምምራሕን ንማእገር ህዝቢን ሓላዊን ዝኾነ ሽም ፖሊስ ንምፅላምን ዝፅዕሩ ኣካላት ፖሊስ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድን ኣብ ቀፃሊ ስፖርት ንከምዚ ዓይነት ስርዓት ዘይብሎም ኣካላት ተገዛኢ ከይኾን ፖሊስ ዝምልከቶም መሓዙት ኣካላት ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ የፍልጥ፡፡
ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ
2 ሰነ 2017 ዓ.ም
ኣዲስ ኣበባ
ኢትዮጵያ