ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ህንፀቱ ተዛዚሙ ትማሊ ዝተመረቐ ዓወት ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም፡፡
ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያን ክርስቲያናት ወንጌላዊያን ኢትዮጵያን ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ሓባራዊ መግለፂ ሂቦም።
ኣብቲ መግለፂ ፕሬዚዳንት ሕብረት ወንጌላውያን ፓስተር ፃዲቁ ኣብዶ ከምዝበልዎ፤ ካብ ዘፍጥረት ጀሚሩ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣርባዕተ ሩባታት እቲ ሓደ ዓብዪ ታሪኻዊ ሩባ እዩ።
በዙይ እውን ብሓባራዊ ፃዕሪ ኢትዮጵያውያን ዝተሃንፀ ግድብ ህዳሰ ብምዝዛሙ እንዃዕ ደስ በለኩም ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!