ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብምዝዛሙ ሓጎሱ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ህንፀቱ ተዛዚሙ ትማሊ ዝተመረቐ ዓወት ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም፡፡

ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያን ክርስቲያናት ወንጌላዊያን ኢትዮጵያን ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ሓባራዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ መግለፂ ፕሬዚዳንት ሕብረት ወንጌላውያን ፓስተር ፃዲቁ ኣብዶ ከምዝበልዎ፤ ካብ ዘፍጥረት ጀሚሩ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣርባዕተ ሩባታት እቲ ሓደ ዓብዪ ታሪኻዊ ሩባ እዩ።

በዙይ እውን ብሓባራዊ ፃዕሪ ኢትዮጵያውያን ዝተሃንፀ ግድብ ህዳሰ ብምዝዛሙ እንዃዕ ደስ በለኩም ኢሎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment