ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተጎሳቖሉን ኣዚዮም ዝተጎድኡን ኣባይቲን ከባቢን ዝርከበላ ዝነበረት ካዛንቺስ ሎሚ ናይ ሓበራዊ ፃዕሪን ለውጢን ሽልማትና ኮይና ተረኺባ ኣላ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ምሸት ልምዓት ኮሪደር ካዛንቺስ ብዕሊ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ከተማታትና ናይ ምዝማን ሰፊሕ ፃዕሪ ዋና መርአዪ ዝኾነ ኣብ ካዛንቺስ ዘሎ ክፋል ልምዓት ኮሪደር ብዕሊ መሪቕና” ኢሎም።
ካብዚ ከባቢ ተላዒሎም ንማሕበረሰብና ዝተኸበረ ኩነታት ናብራ ንምፍጣር ዘለና ፅኑዕ እምነትን ተግባርን ብዘርኢ መልክዑ ንናብራ ናብ ዝሐሸ ከባቢ ዝተዘዋወሩ ነበርቲ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ተዓዚብና ነይርና” ክብሉ እውን ገሊፆም፡፡
ዝተዘዋወሩሉ ከባቢ ኣዚዩ ምቹው ከምዝኾነ ምዕዛቦምን ሎሚ ድማ ዝተለዓሉሉ ሰፈር ዘደንቕ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ከምዝመረቑን ገሊፆም።
ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲ ሰፊሕ ፃዕሪ ዝጠልቡ ኢዮም፤ ግዚያዊ ምቾት ዘስእኑ ፈተናታት እውን ከስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር÷ ነገር ግን ንልዑል ረብሓ ሃገር ዝኽፈሉ ኣድለይቲ መስዋእትነታት ኢዮም ክብሉ ሓቢሮም።