ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት ከምኡ እውን ኣብ ዓውድታት ፀፅታን ድሕንነትን ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል እያ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ሩቶ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ብምዃን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ንዘገልገሉ ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ ስነ ስርዓት ምፍናው ገይሮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና እናዓበየ ከምዝመፅአ ብምፅራሕ፤ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝካየዱ ስራሕቲ ፀፅታን ድሕንነትን ምትሕብባራ ኣጠናኺራ ከም እትቕፅል ኣረጋጊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻርን ንምቕፃልን መንግስቶም ቆራፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብሚኪያስ ኣየለ