ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ክሊ ኣየር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ኩነታት ይሕሎ ኣሎ ኢሎም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ፡፡
ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ እቲ ግድብ ተዛዚሙ ንምረቓ ምብቅዑ ንመላእ ኢትዮጱያዊያን ናይ እንዃዕ ደስ በለኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
እቲ ግድብን ኢትዮጵያን ዘየድፍር ክሊ ኣየር ተሃኒፁ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ኣዛዚ፤ እቲ ግድብ ልዕልና ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ ኣሰር ዝዓረፈሉ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ቦታ ተረኺበ እቲ ግድብ እንትምረቕ ብምርኣዩን ልዑል ሓጎስን ኩርዓትን ተሰሚዑኒ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!