ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ መዓድን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ 1 ሺሕን 723 ኪሎ ግራም ወርቂ ካብቲ ክልል ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣቲዩ ኢሉ።
የሓላፊ እቲ ቢሮ ቱጃኒ ኣደም ከምዝበሉዎ÷ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ልዕሊ 7 ሺሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንምእታው ተሓሲቡ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ኣብቲ ርብዒ ዓመት ድማ ፍቓድ ምእራይ ምስ ዘለዎምን ኣናእሽተይ ማሕበራትን 1 ሺሕን 723 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ከምዝኣተወ ተዛሪቦም።
እቲ ዓውዲ ካብ ዘምፀኦ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ኣታዊ 27 ሚሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡
መንግስቲ ዝገበሮ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ፀገም ፀሊም ዕዳጋ ብምፍታሕ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣቕረብቲ ወርቂ ተረባሕቲ ከምዝገበረ ንግዜኢ ገሊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!