ክልል ትግራይ ተበፃሒ ምግባር ቀፃሊ ስራሕና ኢዩ – መስፍን ኣርዓያ(ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርዓያ(ፕ/ር) ምስ ምእካብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ዘተ ዝተዛመደ ኣብ ቀፃሊ ክልል ትግራይ ተበፃሒ ምግባር ከንሰርሕ ኢና ኢሎም።

እቲ ዘተ ሓቛፊ ስለዝኾነ ክልል ትግራይ እንተይሓዝና ናይቲ ዘተ ዕዉትነት ኣይሕሰብን ከብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ክልል ትግራይ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ቀፃሊ እቲ ኮሚሽን ዝሰርሖ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

ከምኡውን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን አውን ኣጀንዳ ናይ ምእካብ መርሃ ግብሪ ክካየድ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ዘለዉ ወገናት ናብ ዕጥቂ ቃልሲ ዘእተውዎም ኣጀንዳታት ናብ መድረኽ ዘተ ንከአትዉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሎሚ ዝተዛዘመ ከይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ትካላትን ማሕበራትን ፌዴራል ምርካብ ኣጀንዳ፣ እተን ትካላት ዝተዋደዱ ኣጀንዳታት ምቕራብ ዝኸኣልሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብይስማው ኣደራው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment