ክርስቲያኖ ሮናልዶ ኣብ ስፔን ክለብ ኣልሜሪያ ብፅሒት በዓል ዋናነት ዓዲጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፖርቱጋላዊ ተፃዋታይ ኣልናስር ክርስትያኖ ሮናልዶ በዓል ዋናነት ስፔን ክለብ ኣልሜሪያ ብፅሒት ዓዲጉ፡፡
ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ባላንዶር ኣብ ኣልሜሪያ 25 ሚእታዊት ብፅሒት ምግዝኡ እዩ ዝተገለፀ።
ኣልሜሪያ ኣብ ካልኣይ ሊግ ስፔን እናተወዳደረ እንትኾን ኣብቲ ሊግ ሰሌዳ ሊግ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።
ሮናልዶ በዓል ዋና እታ ክለብ ድሕሪ ምዃኑ ኣብ ሜዳ ካብ ምፅዋት ሓሊፉ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣበርክቶ ክገብር ካብ ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ድሌት ከም ዝነበሮ ገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣልሜርያ ድልዱል መሰረት ዘለዋ ስፔን ክለብ ምዃና ብምግላፅ ምስ ኣመራርሓ እታ ክለብ ብሓባር ንምስራሕ ምጉዕዓዙ ተዛሪቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment