ክርስትያኖ ሮናልዶ ንሳልሳይ ግዜ ካብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተኸፋሊ ስፖርተኛ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ወዲ 40 ዓመት ፖርቱጋላዊ ኢንተርናሽናል ተፃዋታይ ንተኸታታሊ ንሳልሳይ ዓመት ካብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ተኸፋሊ ስፖርተኛ ምዃን ኽኢሉ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንክለብ ስዑዲ ኣልናስር እናተፃወተ ዝርከብ ክርስትያኖ ሮናልዶ፤ ኣብ ዓመት 275 ሚሊየን ዶላር ዝኽፈል ኣብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ስፖርተኛ ምዃኑ ኣብ መፅሄት ፎርብስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣሜሪካዊ ተፃዋታይ ኩዕሶ ስኪዒት ስቴፈን ከሪ 156 ዓመታዊ ዶላር ዓመታዊ ኣታዊ ብምርካብ ካልኣይ እንትኾን ከምኡ እውን ከቢድ ሚዛን ቦክሰኛ ታይሰን ፉሪ ድማ ብ146 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ተቐሚጡ።

ብካሊእ ወገን ድማ ኣርጀንቲናዊ ኢንተር ሚያሚ ኮኾብ ሊዮኔል ሜሲ 135 ሚሊየን ዶላር ዓመታዊ ክፍሊት ብምርካብ ኣብ ሓምሻይ ብርኪ ምቕማጡ ዝፀብፀበ ዘ ኣትሌቲክ እዩ።

ብኣቤል ንዋይ

 

Comments (0)
Add Comment