ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክብሪን ሉእላውነትን ዶብ ሃገር ዘሐሉ ብቑዕን ጠንካራን ሰራዊት ተሃኒፁ ክብሉ ዋና ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ሌተናነት ጄኔራል መሓመድ ተሰማ ገሊፆም።
ካብ ክፍለ ሰራዊት ክሳብ ኮር ዘለዉ ኣመራርሓ እዚ ምብራቕ ግደ መሪሕነትን ተዛመድቲ ኣጀንዳታትን ወተሃደራዊ ዓቕምታት ዘጎልብቱ ስልጠናታት ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰረታዊ ውትህድርና ስልጠና ብርሸለቆ ንኣዋርሕ ተኸታቲሎም ዛዚሞም።
ኣብቲ መርሃ ገብሪ መደረ ዘስምዑ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ተሰማ፥ ክብሪን ሉእላውነትን ዶብ ሃገር ዘሐሉ ብቑዕን ጠንካራን ሰራዊት ምህናፁ ገሊፆም።
ብቕዓት ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ፈልጠታትን ቴክኖሎጂን ብምህናፁ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዳጅን ልኡኽን ብብቕዓት ናይ ምምራሕን ምፍፃምን ዓቕሚ ብዘተኣማመን መገዲ ተሃኒፁ ኢዩ ኢሎም።
ሓፈሻዊ ናይቲ ሰራዊት ጅግንነት፣ ናይ ምፍፃም ዓቕሚን ናይ ሃገር ሉእላውነት ናይ መወዳእታ ምሽግን ብምዃን ዘተኣማመን ቁመና ከምዝርከብ ኣረጋጊፆም።
ሰላምን ምዕባለን ኢትዮጵያ ዘይደሊዩ ናይ ወፃኢን ውሽጢ ዓዲን ፀላእቲ መህላዎም ብምግላፅ፥ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ሰላምን ሉእላውነትን ኢትዮጵያ ብጅግንነት ምኽባር ዝኽእል ሰራዊት ከምዝተሃነፀ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።