ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ናይ ስራሕ ግዜኡ ዛዚሙ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)።
እቶም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመትን 7 ወርሕን ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብዓወት ከም ዝዛዘመ ብምግላፅ፣ እቲ ከይዲ ዘተ ንነዊሕ ዘበናት ዝፀንሑ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ክፍትሑ ከም ዝኽእሉ መሰረት ዘንበረ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ከይዲ ዘተ ዝቐረቡ ምክረ ሓሳባት ተግባራዊ ዝኾኑ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቢሎም ምዃኖም ዝሓበሩ እቶም ዋና ኮሚሽነር፣ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ፀገማት ሃገሮም ብምኽክርን ብዘተን ንምፍታሕ ዝገበርዎ ፃዕሪ ኣብቲ ከይዲ ዘተ ዓብዩ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ኣብሪሆም።
እቲ ኮሚሽን ዘተክሳብ 14 ጥቅምቲ 2019 ዝተፈቐደሉ ሓላፍነት ስለ ዝዛዘመ ድሕሪ እዚ እዋን ካብቲ ትካል ዝወሃብ ሓሳባት ይኹን መግለፂታት ከም ዘይህሉ እቶም ዋና ኮሚሽነር ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ከይዲ ዘተ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ትካላት ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ዋና ኮሚሽነር ኣብ ቀፃሊ እቲ ኮሚሽን ዝፍፅሞ ስራሕ ሓበሬታታት ምስናድን ዲጂታላዊ ስራሕቲ ምክያድን ከም ዝኸውን ኣመልኪቶም።
ብኣመለወርቅ መኳንንት