ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ተጀሚሩ፡፡
ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ምስ ግብፂ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ቦትስዋናን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ዝርከቡ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ተሳቲፎም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ክሳብ ሕዚ ዝተስርሑ ስራሕቲ ከምኡ እውን ቀፃሊ ኣንፈታት ትኹረትን መብርሂ ሂቦም።
ዕላማ ናይቲ ብበይነ መረብ ዝካየድ መድረኽ ካብ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ሃገራት ኣፍሪካ ኣጀንዳታት ምቕባልን ንዝቕፅል ሃገራዊ ዋዕላ ተሳተፍቲ ዝምረፀሉ ኮሚቴታት ምውዳብ ከምዝኾነ ኮሚሽን ኮሚሽነር ኣምባዮ ኦጋቶ (ዶ/ር ) ኣብሪሆም፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለው ትውልደ ኢትዮጵውያን ሓሳቦም ብቐጥታ ዘቕረቡ እንትኾን፤ ኣብ ቀፃሊ ብብርኪ ሃገር ዝካየድ ጉባኤ ዝውክሎም ተወከልቲ ዝምረፅሉ ከይዲ ሓሳብን ርኢቶም ሂቦም፡፡
ብኣድማሱ ኣራጋው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!