ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣትን ሓዊን ናይ ምውዳብ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣትን ሓዊን ኣዲስ ኣባበባ ብዓቕሚ ሰብን ዘመኑ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ናይ ምውዳብ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ከንቲባ ኣዳነ ኣቤቤ ገሊፀን።

መዓልቲ ሓደጋን ሓዊን “ካብ ሓደጋ ስግኣት ዝተሓለወ ልምዓት ከተማ ዝኽፈል መስዋእትነት ጅግንነት እዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መስቀል ኣደባባይ እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልቃድር፣ ኮሚሽን ኮሚሽነር ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተኽለማርያም (ዶ/ር) ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ሓዊ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን ህይወት ሰባትንን ንብረትን ዘድሕኑ ጀጋኑ እዮም ኢለን።

መዓልቲ ሓዊን ሓደጋን ሰራሕተኛታት እንትኽበር እቶም ሰራሕተኛታት ንዝህብዎ ግልጋሎት ክብሪን ብምሃብን ንምምስጋንን ምዃኑ ምግላፀን ዝፀብፀበ ግዜኢ እዩ፡፡

 

Comments (0)
Add Comment