ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሪደር ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ምስሊ እታ ከተማ ዝቐየረ መርአያ ውፅኢት ፈጠራን ቅልጣፈን ኢዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፋ መሓመድ፡፡
ኣባላት ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ካብ እንጦጦ ክሳብ 4 ኪሎ ፕላዛ፣ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሳይንስ ሙዚየም ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብን ዑደት ኣካይዶም፡፡
ኣይተ ሙስጠፋ መሓመድ ኣብ እዋን እቲ ዑደት ከምዝበሉዎ፤ ኮሪደር ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ምስሊ እታ ከተማ ዝቐየረ ኢዩ፡፡
ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሳይንስ ሙዚየም መፃኢ ተስፋ ኢትዮጵያ ዘርኢ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ልምዓት ትገብሮ ጉዐዞ ለውጢ ልዑል ምዕራፍ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡
ዝተዓዘቡዎም ፕሮጀክታት ልምዓት ውፅኢታት ቅልጣፈን ፈጠራን ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ብመንፅር ፈጠራ ስራሕን ካልኦትን ናብራ ህዝቢ ዝቐየሩ ኢዮም ኢሎም።
ብብርኪ ሃገር ተግባራዊ ዝተገበሩ ኩሎም ኢኒሼቲቫት ኣብ ክልል ሶማሌ ከምዝተጀመሩ ብምግላፅ፤ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝምረቑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!