ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሪደር ጂቡቲ ሓደ ሰራዉር ደም ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ብባቡርን ብቅልጡፍ መገዲን ምስ ማእኸል ሃገር ምርኻብ ወሳኒ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ልቢ ሉኣላዊነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ኢቢሲ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ብዛዕባ መሰረተ ልምዓት ኣብሪሆም።
ኣብ መብርሂኦም ድማ ኢንዱስትሪ ንልምዓት ልቢ ከምዝኾነ ማዕረ መሰረተ ልምዓት ድማ ሰራዉር ደም ኢዩ ክብሉ ክልቲኦም ብምውዳድ ዝስርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ካብ ኣዳማ ናብ ኣዋሽ ዝኸይድ ቅልጡፍ መገዲ ህንፀቱ ከምዝተዛዘመ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ሰራዉር ደም ኢትዮጵያ ዝበሃል ኮሪደር ጂቡቲ ሓደ ስለዝኾነ ብባቡርን ብቅልጡፍ መገዲን ምስ ማእኸል ሃገር ምርኻብ ወሳኒ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።
መብዛሕትኡ መሰረተ ልምዓት ባቡር ኣዚዩ ክባር ኢዩ፤ ነገር ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር ክስራሕ ዝኽእል ነገር ኢዩ ብምባል ዝገለፁ እንትኾኑ÷ እንሰርሖምን ዘይንሰርሖምን ብምፍላይ ብርእሰ ዓቕሚ ኣብ ከባቢ ኣቃቂ ባቡር ሃዲድ ሰሪሕና ኢና ኢሎም።
መገዲ ባቡር ዓብዪ ሓው ከምዝኾነ ብምግላፅ ልክዕ ከም ሃዲድ መገዲ፣ ድልድልን ዝተፈላለዩ ናውቲን ይደሊ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ብዙሕ ቦታ ካብ ዋና መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ከባታት መዕርፎ ነፈርቲ እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እናተመረቑ ከምዝኾኑን ኣብ ቀረባ እዋን ዝምረቑ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።
ደረቕ ወደብ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ቦታታት ፈተነታት ከምዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እናሰራሕና ዝፀናሕናዮ ደረቕ ወደብ ሞጆ ክንምርቕ ኢና ክብሉ ኣፍሊጦም።
ደረቕ ወደብ ሞጆ ብመጠኑ፣ ብዘንቀስቕሶ ኮንቴይነር፣ ብዘበናዊነቱ ወደባት ጂቡቲን በርበራን ተደሚሮም ክንድኡ ኣይኾኑን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝምረቕን ምስ ባቡር ዝተረኸበ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ብኣድማሱ ኣራጋው