ኮፕ32 ንቐፃላይ ትውልዲ ዝረብሕ ውፅኢት ክርከበሉ ዝግባእ ዓብዪ ጉባኤ ኢዩ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት(ኮፕ32) ንቐፃላይ ትውልዲ ዝረብሕ ውፅኢት ክርከበሉ ዝግባእ ዓብዪ ጉባኤ ኢዩ  ኢሎም  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)።

ኢትዮጵያ ብመሰረት ማዕቐፍ ኮንቬንሽን ክሊማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት ኣሰናዳኢት ኮፕ32 ሃገር ኮይና ምሕራያ ይዝከር።

ትማሊ ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ32 ምስያሙ ስዒቡ ሎሚ ብሄራዊ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ኮፕ32 የብሔራዊ አስተባባሪ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ቁልፊ ናይ ምድላው ተግባራት ንምውዳድ ዘኽእል ኣኼባ ኣሳሊጡ።

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ከም ሃገር ካብ ዝተሰናድኡ ዝተፈላለዩ ጉባኤታት ዝተፈለየ፣ ሰፊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን ናይ ባዕሉ ፍሉይ ባህሪ ዘለዎ ዓብዪ ዓለም ለኸ መድረኽ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ከም ሃገራዊን ኣህጉራዊን ፕሮጀክት ዝውሰድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ንዓለም እተተኣናግደሉ ንቐፃሊ ብዙሕ ትውልዲ ዝተርፍ ኣሰርን ውፅኢትን ክርከበሉ ዝግባእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሓሙሽተ ግልፂ ጉባኤታት ዝወነነ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ብተወሳኺ ካልኦት ብዙሓት ጎድናዊ መድረኻት፣ ኤግዚብሽናትን ወዘተ ከምዝህልዉ እውን ኣብሪሆም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment